እታ ኣጋጣሚ

Fessehaye Joshua och Dawit Isaak. Bild: Privat

ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ግርማይ ዮውሃንስ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነብሩ ዘለዉ ፍስሃየ ጀሽዋን ዳዊት ኢሳቕን ከምኡ’ውን ነቲ ፍርቂ ዕድመኦም ዝተበልዑሉ ዕጫ ዝኾነ ህሞት ይዝክር።

1997 እዩ ዝነበረ። እንተዘይተጋግየ ከኣ ወርሒ 3 ወይ 4 እዩ ዝነበረ። ሲነማ ክሮቾሮሳ ብድምጺ ኣባላት ’ጕጅለ ሙዚቃን ትያትርን ቈልዑ ሰዊት’ ምውቕውቕ ኢላ ነበረት። ገለኦም ሙዚቃ ጠረምረም የብሉ። ገለኦም ብዓውታ ይዛረቡ። ገለኦም ይጓየዩ። ገለኦም ንሓድሕዶም ይጫረቑ። እታ መዋፈሪቶምን ናይ ስራሕ ቦታኦምን ዝዀነት ሲነማ፡ ዘስምዕን ዝሰምዕን ዘይብሉ ዋጭዋጭ ኣትዩዋ ነበረ። እቲ ዋጭዋጭ ድማ ገና ናብ ውሽጢ ከይኣተኻ ኣትሒዙ ዝስማዕ ድምጺ ነበሮ። እታ ጕጅለ ኣብ ባጽዕ ንዝካየድ ዞባዊ ኣኼባ ንምስናይ እያ ንመገሻ ተዳልያ ዝነበረት።

ኣነ ኸኣ ምስታ ጕጅለ ንምጋሽ እየ ኣቐዲመ ኣብቲ ቦታ ተረኺበ። ካብ ካንሸሎ ወጻኢ – ኣብ ኣፍደገ ምስ ዝጸንሐ ዳዊት ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጠይ ናብ ውሽጢ ኣትየ ነቲ ዋጭዋጭታ ናይ’ታ ጕጅለ ተዓዚበ ድሕሪ ምውጻእ ናብቲ ኩሉ ግዜ ዘዘውትረን ”ኣሎራ፡ ኮሞንድያሞ?” ብዝብላ ናይ ሰላምታ ቃላት ሰላም ኢሉ ናብ ውሽጢ ዘሕለፈኒ ዳዊት ተመለስኩ’ሞ ደጊሙ፡ ”ኣሎራ ግርማይ፡ ኮሞንድያሞ?” ኢሉ ከም እንደገና በተን ዝውቱራት ናይ ቋንቋ ጥልያን ናይ ሰላምታ ቃላቱ ተቐበለኒ – ”ኣሎራ፡ ኮሞንድያሞ?” ዝብሃላ ናይ ሰላምታ ቃላት።

ገና ምልውዋጥ ዳግማይ ሰላምታና ከይወዳእና ከለና በዚ መጺኡ ዘይበልናዮ ጀሽዋ ተሓወሰና። ድሕሪ ሓጺር ናይ ሰላምታ ቃላት ምልውዋጦም ከኣ፡
”እቲ ናይ ጋዜጣ ሰቲት ዕድመ ሪኢኻዮዶ?” ክብል ሕቶ ኣቕረበ ጀሽዋ።

”እወ፡ ርእየዮ” ህድእ ኢሉ መለሰ ዳዊት።

”ከመይ ረኺብካዮ’ሞ? ጽቡቕ’ዩ ዝመስል። ኣገዳሲ ዕድመ እዩ” ክብል ኣስዓበ ጀሽዋ።

”እወ፡ ብርግጽ! ጽቡቕ ነገር እዩ” ክብል መለሰ ሕጂ’ውን ዳዊት ብህድኣት። ብዛዕባ ኣባላት ጋዜጣ ሰቲት ንክዀኑ ብኣካየድቲ ጋዜጣ ሰቲት ዝቐረበሎም ዕድመ እዩ ነይሩ እቲ ዕላል።

ጀሽዋ፡ ካብ ገድሊ ምስተመልሰ ዝሰርሐን ”ትጽቢት” ከምኡ ድማ ”ምስጢር ናይታ ቘፎ” ዝብላ ዓበይቲ ድራማታት ጽሒፉን ኣልዩን፡ ከም ዳይረክተር ጕጅለ ሰርከስ ኤርትራ፡ ዳይረክተር ጕጅለ ትያትር ቈልዑ ሰዊት ኰይኑ ድማ ይሰርሕ ነበረ። ፕሮሰስን ኣደይ ቅርጣሽን ዝተሰምያ ናይ ሬድዮን ጋዜጣን ልቢወለዳት ከኣ ጽቡቕ ስም ኣውሂበናኦ ነበራ።
ዳዊት፡ ”ፍቕሪ ሙሴን ማናን” ዝሰመያ መጽሓፍ ከምኡ ድማ ኣቐዲማ ”ጠንቃም ሬሳ” ዝብል ስም ዝነበራ ዳሕራይ ግን ”ጠንቀምቀም” ብዝተባህለ ኣርእስቲ ዝቐየራ ዓባይ ድራማ ጽሒፉን ኣልዩን። ”እተን ሰላሳ ሽሕ” ዝስመያ ትነኣድ ናይ ሬድዮ ትረኻን ኮሜድያዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ሓጸርቲ ግጥምታትን ደሚቑ ነበረ። ብሓፈሻ ክልተኦም ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ ደሚቘም ስለ ዝነበሩ እዮም እቲ ዕድመ ካብ ጋዜጣ ሰቲት ቀሪቡሎም።

ጀሽዋን ዳዊትን ድማ ከም ኣገዳሲ ባይታ ስለዝሓሰቡዎ እዮም ነቲ ዕድመ ብምሉእ ልቢ ተቐቢለሞ። ኣብታ ጋዜጣ ድማ ብወንን ብትግሃትን ነጢፎምን ብዝግባእ ንህዝቦም ኣገልጊሎምን።

ኣብ ግዜ ሞያዊ ጕዕዞኦም ተሓጕሰሎም እየ። ኣብታ ጋዜጣን ጕዕዞኣን ድሙቓት ስለዝነበሩ። እታ ጋዜጣ እታ ዝዓበየት ንኽትከውን ዓቢ እጃም ኣበርኪቶም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ግን ስክፍታ ኣይተጋደፈንን ዝነበረ። እዚ ድማ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ጕዕዞይ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ብዙሓት ሓለፍትን ብዙሕ እምነት ኣጕዲለ ኣብ ምጥርጣር ኣትየ ስለ ዝነበርኩ እዩ። እዚ ሕማቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፡ ማለተይ ማእሰርቲ ምስ ኣጋጠመ ከኣ፡ ”እታ ዕድመ ጋዜጣ ሰቲት እንተትተርፎምስ እንታይ ነይሩዎ …?!” ብምባል እሓርቕ።

”ብኻ ምተረፈቶም! ብኻ ኖእ ኢሎም መሊሶምሎም! እታ ዕድመ ዝተቐበሉላ መዓልትስ እንታይ ዓይነት ስሕታን መዓልቲ እያ ነይራ! …” እብል እሞ፡ መሊሰ ድማ፡ ”ብኻ ዘረባ ድኻ!” ትብል ብሂል ዘኪረ አዋድቖ። ንሓንሳብ ድማ ሓሳብ ዓያሹ ኰይኑ ይስምዓኒ። ”ብኻ ምስራሕ ምተረፎም ማለት’ኮ ብኻ ምንባር ምተረፎም! ብኻ ህይወት ምንዳይ ምተረፎም፡ ክኸውን ማለት እኮእዩ” ዝብል ትርጉም ሂበ ጌጋይ አዋድቖ – እንታይ የጋጥም ኣቐዲሙ ዝፈልጥ ስለ ዘየለ።

ንሞያኻ በቲ ልክዕ መልክዑ ንኣገልግሎት ህዝቢ ምውዓል ገበንን ሓጥያትን ኣይኰነን። ኣብ ዘይጥዑይ ህውተታ እኣቱ’ሞ ”ንህይወት ትመርሓ ዲኻ ወይስ ትመርሓካ? ብጽሒት ህይወትከ ዕጫ ድዩ ምርጫ? እዞም ሰባት ከ ብዝበጽሖም ዕጫ ድዩ ብዝመረጽዎ ምርጫ እዮም ከምዚ ኰይኖም ዘለዉ!?” ኣብ ዝብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣትየ ዝገደደ ከይህውትት ተሰኪፈ ካብ ሓሳበይ እምለስ። መመሊሰ ግን ”እታ ዕድመን እታ ሕራይ ትብል መልስን ብኻ ምተረፋኦም! … ’ኖእ!’ ኢሎም መሊሶምሎም እንተዝዀኑስ እንታይ እስከ ይሩዎ?” ክብል እሓስብን እደልን’ሞ ”ብኻ ዘረባ ድኻ! …” ከም ዝብሃል ምስላ ከይኰነኒ ግን እስከፍ።

Ghirmay Yohannes • 2024-05-24
Ghirmay Yohannes är journalist, poet, författare och filmskapare från Eritrea.