ዋይ ኣነ ምዕንጅሉ ወያ ቤት ማእሰርትስ ሆቴል ይመስለኒ ነይሩ!

Satellitbild av fängelset Eiraeiro, där det rapporterats att bland andra Dawit Isaak suttit fängslad.

ብ23 መስከረም፡ ዳዊት ኢሳቅን ካልኦት ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን በቲ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ካብ ዝእሰሩ 23 ዓመታት ሓሊፎም። እቲ ናብ ምልኪ ዝወስድ ስጉምቲ ግን ቅጽበታዊ ወይ ሃንደበታዊ ኣይነበረን። ግርማይ ዮውሃንስ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ መቐይሮ ሚለንየም ዝነበረ ዘይርጉጽ ዓመታት ይጽሕፍ።

ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 2003 እዩ ነይሩ – መጋቢት። ሰሜናዊ ባሕሪ ማለት ብዓል ፍልፍል ሰለሙናን ከባቢኡን ድማ ክረምቱ እዩ ነይሩ። ደሓን ዝኾነ ኣዝመራ ድማ ነይሩ – ኣብቲ ዓመት’ቲ። ሓረስቶት ናይ’ቲ ገማግም ከበሳታት፡ እዚ ከባቢ እዚ ክረምቲ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ናብ’ዚ ባሕሪ ኢሎም ዝሰምዩዎ ከባቢታት ብምውራድ ሓሪሶም ምህርቲ ዘእትዉሉ ቀንዲ መመዓራርይቲ ክረምቲ ከበሳ እዩ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት’ሲ ካብ ክረምቲ ከበሳ ንሱ ይሃጥር። ሰቦምን ጥሪቶምን ኣብኡ ከሪሞም ድማ ክረምቱ ምስ ወጽአ ዓዓዶም ይድይቡ። ኣብ ብዓል 2002 ከባቢ ግን እዚ ሰሜናዊ ባሕሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ናይ ቱሪስት ቦታ ክቕየር ስለ ዝተደልየ ዝኾነ ገባር ማለት ሓረስታይ ናብዚ ቦታ’ዚ ገጹ ከይወርድን ከይሓርስን ብጥብቂ ዝነግር ንጹር ትእዛዝ ተዋሂቡስ ብዙሕ ምዕዝምዛማትን መረረን ኣስዓበ። ኣቐዲሙ ትእዛዝ ዝፈርሐ ገባር ኣቐዲሙ እግሩ ስሒቡ ድሒሩ ዝፈርሐ ድማ ቁሩብ ተኸራኸረ። ዘርጠብጠብ እናበሉ ጥሪቶም ዝጓስዩን ዝሓርሱን ነይሮም። ዝቕጽዑን ዝተሃላለኹን’ውን ኣይተሳእኑን።

ብሓዘን እናስተንተኑ ክልተ ኣብዑር እናጓሰዩ ድማ ሓደ ደሓን ዝቐረቡንን ዝኣመኑንን ጸገሞም ዘዕልሉኒ ዝነበሩ ኣቦ ” ’ዝወደይ . . . ሰብኣይና ሰበይትና ከይንበኪ፡ ማሕረሻ ከይሰፍል ስበት ነኪ፡ ግዝኣትካ ኣይትግበሮ ግዝኣት ቱርኪ. . . ዝብሃል ምስላ ኣሎ’ሞ ኬድናልኩም በሉ’ ኢሎምኒ ክኸዱ ይዝከረኒ።

”ዝብኢ ብሄሊኮፕተር ተፈንዩሉ፡ ነብሪ ኣምጺኦምሉ፡ ሰሳሕ ርኢና፡ ዓጋዜን ደጊምና. . .” ዝብሉ ዝፍነዉ ዝነበሩ መጋገይቲ ወረታት ርእሰይ ከም ጥውይ ኣቢሎምለይስ ኣነ ድማ ሓቂ ዶ ኾን ይኸውን ናይ ቱሪስት ቦታ ዝብሃል ዘሎ ክብል ጀሚረ። ከይደ በቃ ዳርጋ ኣሚነ ወረግ።

ሓደ ካብ’ቲ ናብ ምእማን ገጹ ዝወሰደኒ ምኽንያት ግን ነይሩኒ። ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታታት ናይ ፍልፍል ኣብ ዝድይበሉ ግዜ ብማዕዶ ርሕቕ ኢሉ፡ ካብ’ቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ዝራኣዩ ገዛውቲ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ኣሰራርሓ ዘሎዎ ማለት ከም ናይ’ቲ ከባቢ ነበርቲ ዘዘውትሩዎ ዓይነት ገዛውቲ ዘይኮነስ ከም ናይ ከበሳ ዓይነት ዝመስል ኣቃውማን ኣሰራርሓን ዘሎዎ ህንጻ ኣማዕድየ እርኢ ነይረ።

ብውሽጠይ ድማ ”እሞ እዚ ዝብሃል ዘሎ ማለት እዚ ከባቢ ናይ ቱሪስት ቦታ እዩ ዝብሃል ዘሎ ሓቂ እዩ ማለት እዩ። መዕረፊ ቱሪስት ዝኸውን መናፈሻን ሆቴልን ይሰርሑ ኣለዉ ማለት’ዩ። ግን እሞ እንታይ ድኣ ኣብ ዓሚቕ ገይሮሞ? እዚ ኸባቢ ምዉቕ እዩ ብፍላይ ኣብ ግዜ ክራማት ናይ ከበሳ። አረ ኩሉ ግዜ ምዉቕ እዩ። መን እዩ ዓቕሊ ገይሩ ክጥቀመሉ? ምዃን ኩሉ ዘድሊ መሳለጥያታት እንተ ገይሮምሉ እዞም ናይ ወጻኢ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ብቐደሙስ ደይ ንሳቶም እዮም ክመጽኡ ዝኽእሉ’ምበር ንሕና ድኣ በቲ ሓደ ገንዘብ የሎን፡ በቲ ሓደ ዕድል የሎን፡ በቲ ሓደ ብብዙሕ ምኽንያታት ባህጊ የሎን። ንሳቶምስ ኣይጸልኡዎን’ዮም ዳሓን. . . ስለ’ዚ እዚ ኹሉ ኣብ’ዚ ከባቢ ዝእከብ ዘሎ ምስኪናይ መንእሰይ ናብኡ ዝኣቱ ጽርግያ ስራሕ፡ ደንደስ ፈሪሱ ኣዕርዮ፡ ጸግኖ፡ እናተባህለ ፍቖዶ ኣጻድፍ እምኒ ክሰብር ክውዕል እዩ። ብቐደሙ’ውን እኮ ኣብ ሓንቲ ድኻ ሃገር ድኻ ሰብ እኮ ሓጹርን በጃን ሃብታማት እዩ . . . ” እናበልኩ እትርጉሞ፡ አጒረምርመሉን እትንትኖን ነይረ ኣነ ምዕንጅሉ ኣነ።

ብጽርግያ ፍልፍል ሰለሙና ክወርድን ክድይብን ከለኹ ድማ ነዚ ሆቴል ዘጠመቕኩዎ ብማዕዶ ዝረአ ኣባይቲ. . . ”እንታይ ድኣ ግን ዝነኣሰ ዝመስል ወደይ . . . ከመይ ዓይነት ደኣሉ ኸ ኣቃውማኡን ኣሰራርሕኡን? ምዃን ደይ እንዳ ሻዕብያ ሰልዲ እዩ ሃይማኖቶም ተቐይሩ ዘሎ። ዝተፈላለዩ ነገራት እናገበሩ ንግደት ወዲ ንግደት እናሰመዩ ነዞም ናይ ደገ ሰልዶም ዘራግፉሉ ሜላታት እዮም ዘናድዩ ዝህሉዉ” እናበልኩ ድማ አዕልልን እስሕቕን ነይረ – ምስ ውሽጠይ።

ሰለሙና እዩ ቦታኻ ተባሂለ ኣብ ወሰን ጽርግያ ሰለሙና ኮፍ ምስ በልኩ ኣብ ሳልሳይ ወርሐይ ምዕንጅሉነተይ ዘግህድ ነጸብራቓት ክንጸባረቕ ጀሚሩ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ምዃኑ’ዩ – ካብ’ተን ዕለታት ኣብ ሓንቲ ዕለት ሰዓታት እቶ እቶ ማለት ጸሓይ ዓሪባ ዓይኒ ሒዙ እዩ። ካብ ታሕቲ ሰለሙና ክሳብ ላዕሊ ፍልፍል ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ሰፊሮም ዝነበሩ ሰራዊት ብምስምስ ስራሕ ካብ ቦታኦም ከም ዝርሕቁ ተገብረ። ኣነ ዝነበርኩወን ኣብያተ ጽሕፈት ግን እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ኣይርድኣንን’ዩ ካብ ቦታና ኣይተንቀሳቐስናን።

ሓንቲ ጋሻ ላንድ ክሩዘር ድማ ኣበይ በጺሓ ካበይ እያ ትምለስ ዘይትፍለጥ ዓቕሊ ዘጽበበ ከልቢ ክትመስል ክትመላለስ ጀሚራ። ምምልላሳን ዋላሓንቲ ምልክት ዘይምርኣያን ድማ ኣተኲሮይ ስሒባቶ። ጥዑም ኲነታት ኣየር ስለ ዝነበረ ምስ ካልኣየይ ካብ ጽርግያ ቊሩብ ውጽእ ኢልና ብደውና ንፋስ ናይ’ቲ ከባቢ ነስተማቕር ነበርና።

እታ ዓቕሊ ዘጽበበት ላንድ ክሩዘር ደጊማ ተመልሰት’ሞ ሕጂ ድማ መጺኣ ኢለ እናጠመትኩዋ ከለኹ ንሳ ሕልፍ ኢላትንስ ደድሕሪኣ ብምስዓብ ብቕድሚት ኣውቲስታ ብድሕሪት ድማ ሓደ ሰብ ጽዒና ሓሊፋ። ደድሕሪ ናይ ገለ ደቓይቕ ፍልልይ ድማ ሓደ ሰብ ጥራይ ዝጸዓነት ካልእ ማኪና ኣርኪባ። ሽዑኡ ግን ብዝያዳ ኣተኲሮይ ተሳሒቡ። ገለ ነገር ኣሎ ኢለ ብጥርጠራ ክሓስብ ጀሚረ። ገና ናይ ጥርጠራ ሓሳበይ ከይወዳእኩ ከለኹ ድማ ሓደ ሰብ ዝጸዓነት ካልእ ማኪና ስዒባ። ንዓኣ ብዓይነይ ስዒበያን እናፋነኹዋን ከለኹ ድማ ሓደ ሰብ ዝጸዓነት ካልእ ማኪና መጺኣ ብናህሪ ሓለፈትና።

ናህሪ ናይ’ዘን መካይን ርኢኻ ንገለ ኣፈርክቡ ዝኸዳ ዘለዋ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓካ። በቢናይቁሩብ ደቓይቕ ፍልልይ ድማ ሓሓደ ሰብ ዝጸዓና ማካይን ክሓልፋ ጀሚረን። ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ማካይን ብድሕሪት ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ድማ ሓንሳብ ክሳዱ ጥውይ ኣቢሉ ቁሊሕ ኢሉ ጠሚቱና ሓሊፉ።

እቲ ሰዓታት እቲ ዋግዋጎ ኮይኑ ማለት ናብ ምጽልማት ገጹ ከይዱ ዓይኒ ሒዙ ስለ ዝነበረ ምስ ናህሪ ናይ’ተን መካይን ደሚርካ ነቶም ኣብ ማኪና ዝነበሩ ሰባት እዚ ኩስቶ እዩ ኢልካ ክትፈልዮም ዝክኣል ኣይነበረን። እቲ ምሳይ ዝነበረ ኣባለይ እናዕለለኒ ከሎ ምስኡ ከም ዘየለኹ ኣስተባሂሉ ባህ ኣይበሎን። ”ተረዲኡካ’ሎ፡ ተረዲእካኒ? ሒዝካኒ ኣለኻ? . . .” እናበለን ብኢዱ እናተናኸፈን ናይ ምዕላል ልምዲ ስለ ዝነበሮ ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ዕላል ቴስዓ ግዜ ዝኸውን ኢኻ ”እወ” ተድምጽ። እንተ ዘይኮይኑ ”ትሰምዓኒ ኣለኻ ምሽ?” እዩ ዘስዕበልካ፡ ናብ ምትንኻፍ ሰጊሩ ድማ ኩሉ ኣተኲሮኻ እዩ ዝወስዶ።

ኣብዛ ግዜ’ዚኣ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ኣተኲሮታት ዝደልዩ ነገራት እየ ተቐርቂረ። እቲ ኣባለይ ትንፋስ ከልኣኒ – ተረዲኡካ’ሎ? ትርድኣኒ ኣለኻ? ትሰምዓኒ ኣለኻ ምሽ? . . .? እናበለ ከም ስርዓት ዓቕለይ ኣጽቢቡለይ። ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ ከም ዝብሃል? ባህ ክብሎ ኢለ እወ የድምጸሉ ነይረ። ወዳት ሆየ ግን ምጥምማት ናይ ዓይኒ ኮላይ ዝጠልብ ዓይነት ሰብ ስለ ዝነበረ ክውትውተኒ ጀመረ። እተን ዝሓልፋ ዝነበራ ማካይን ሓንጎለይ ሰሪቐናኒ ከም ዘሎዋ ምስ ኣስተባሃለ ድማ፡

”ኣታ ግደፈን እንዶ እዚኣተን ስቒልካ ስምዓ፡ኒ እዚኣተን ስቕ ኢለን እየን ተረዲኡካ’ሎ? . . .” እናበለ ብመንኩበይ ክስሕበኒ ጀመረ።

ኖእ እዚኣተንስ ስቕ ኢለን ኣይኮናን ገለ ነገር ኣሎ በልኩዎ።

”እንታይ ኢኻ ማኪና ርኢኻ ዘይትፈልጥ መሲልካ! ብዓል ኩስቶ እዮም ዝኾኑ ኣብ ላዕሊ ኣኼባ ይህሉዎም ይኸውን” ክብል ደምደመ።

ኣይመስለንን። ገለ ነገር እያ ትሽትተኒ ዘላ። እዛ ኹነታት ባህ ኣይበለትንን. . . ኣስዒበሉ።

”ግደፎም እንዶ ዝኾኑ ይኹኑ ባዕላቶም ይፈልጡ ስምዓና ጥራይ. . .” እናበለ ዓቕለይ ኣጽበበለይ። ብዛዕባ ዕረፍቲ እዩ ዘዕልለኒ ነይሩ።

ሓሓደ ሰብ ዝጸዓና ማካይን ድማ እናተሓምበባ ሓሊፈን። ንሱ ግዲ ኣይገበረለንን። ኣነ ኣብ ዘዝኸድኩዎ ቦታ ኩላ ነብሰይ እዝኒ እቕይራ ከም ዝነበርኩ’ሞ ኣበይ ኣስተባሂሉ!

ጽንሕ ኢልካ እንተ ሰማዕካስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝነበሩን ጋዜጠኛታትን እሱራት ኣብ ወያ ሆቴል ክሓስቦ ዝቐነኹ መጻወድያ ኣትዮም። ወያ ሆቴል ክሓስቦ ዝቐነኹ ኣብ ርሑቕ ማዕዶ ኣብ ዓሚቕ ቦታ ዒራዒሮ ዝርእዮ ዝነበርኩ ገዛውትስ መቐርቀሪ ፍጡራት ደቂ ኣዳም ኮይኑ። ወያ ንቱሪስት ክኸውን ዝተወርየሉ’ሞ ሓረስቶት ዝተሰጎጉሉ ከባብስ መብለዪ ፍጡራት ኮይኑ። እቶም ሰውራ ዘኾተቱ ሰባት ሰውራ ኣብ ዘኾተቱሉ ቦታ ንኻልኦት ለኻኺሞም በልዮምሉ!

ኣየ ኤርትራ!! በሊ’ስከ ራህዋ ይፍጠረልኪ ጓለይ!!

Ghirmay Yohannes • 2024-10-03
Ghirmay Yohannes är journalist, poet, författare och filmskapare från Eritrea.